ዛህራ
ናኤል
ተስፋ ሙቅራጽ ክስምዓኪ ንቡር እዩ፣ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪ ግን ናብ ብዓል ሞያ ጥዕና ብምኻድ፡ ክትዘራረቢ ከምእትክእሊ ኣይትረስዒ።
«እቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ፡ ስራሕ እዩ። »
ዛህራ
ዘይነገርኩኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሰሉጥኒ ፡ ስድራይ ናብ ሉክሰምበርግ ክመጹ እዮም ! ።
ንነዊሕ ተፈላሊና ፡ ክሪኦም ተሃዊኸ ኣሎኹ።
ነዚ ዓዲ ከዛዉሮም ተሃንጤ ኣሎኹ፡ ካብ ዓድና ዝተፈልየ እዩ. . . ። ከመይ ከምዝሰማምዕም ኣይፈለጥኩን።
ናኤል
ኣዝዩ ደስ ኢልኒ ዛህራ ! ፡
ምስ መጹ ታሴራ ክሓቱ ኣለዎም፡ ኣይትረስዕዮ። ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሎ፡ ዝበለጸ ምኽሪ ምሕታት እዩ።
«ኣብዚ፡ እቲ ሲስተም ዝተፈለየ እዩ። »
ዛህራ
ስድራ-ቤተይ ንምቕባል ብዙሕ ግዜ ወሲድለይ ፡ ግን ስራሕ ምድላይ እየቋረጽኩን ፡ ድኻመይ ንከንቱ ኣይነበረን! ።
ብጣዕሚ ኩርዓት ተሰሚዕኒ ፡ ስራሕ ንኽጅምር ተሃንጥየ ፡ ቀጺለ ገዛ ንዓይን፡ ንስድራ-ቤተይ ንምርካብ ምእንቲ ኽሰልጠኒ።
ናኤል
እንቃዕ ስራሕ ክትረኽቢ ኣብቃዓኪ ! ፡ ከምሰራሕተኛ መጠን ክትፈልጥዮም ዘለኪ ገለገለ ኣገደስትን ጠቀምትን ሓበሬታታ ኣብዚ ኣለኪ. . . ።
ዛህራ
ወላኳ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ(ሶሻል) ገዛዉቲ እንተተመዝገብኩ፡
ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ኣይመጸንን. . .። ይርድኣኒ እዩ እቲ ሊስታ ነዊሕን፡ ብዙሕ ዓመታት ከምዝወስድ ። ኣብ ናይ ውልቂ ገዛውቲ ንምርካብ ኣበርቲዐ ክደሊ እየ።
ገዛ ኣብ ሉክሰምበርግ
ናኤል
ላክሰምበርግ ንእሽተይ ሃገር እያ፡ ምስ ሰባት ዘለኪ ርክባት ከተራብሕዮ ኣለኪ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ክሕግዙኺ ዝክእሉ ሰባት ንምልላይ ጽዓሪ።












