ናኤል
ቀደም ኣብ ናይ ገዛ-ምድላይ ስልጠና(LOC’ACTIF) ተሳቲፍኪ ኔርኪ’ዶ፧
እቲ ዝሃቡኹም ምኽሪ ትዝክርዎ’ዶ፡ ገንዘብ ምውህላል፡ ኣበየናይ ከባቢ ምስ ባጀትካ ዝከይድ ክራይ ኣሎ ምጽራይ. . . ።
ብፍላይ ካብ መታለልቲ ተጠንቀቂ !
ዛህራ
ናኤል ! ብዙሕ ማዓልታት ተስፋ ዝቆረጽክሉ ግዜ ኔሩ፡ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ንምሉእ ስድራና ዝኸዉን ገዛ ረኺበ .።
«ምውህሃድ ፣ ኣብ ሉክሰምበር ፡ ከም ኣብ ገዛኻ ዘለኻ ኮይኑ ክስማዓካ ምኽኣል ማለት እዩ። »
ዑቅባ ካብ ዝዋሃበኒ ዓሰርተ-ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፉ፡ ኣብ መወዳእታ ጽቡቅ ውሕስነት ተሰሚዕኒ ክብል ይኽእል።
ኣብ እንነብረሉ ምምሕዳር፡ ጽቡቕ መደባት የዳልዉ፡ ደቅና ኣብ ናይ ኩዕሶ-እግሪ ጋንታ ኣትዮም፡ ኣነን በዓል-ቤተይን ኣብ እንዳ ጎረባብቲ ዉራይ፡ ማሓዙት ተላሊና።
ብሓባር ፡ ኣብ መወእዳታ መጻኢና ባዕሉ ቅርጺ ክሕዝ ጀሚሩ. . . ።












